session uppdatera gms varning förnya
Vill du stanna kvar på sidan?
Du har varit inaktiv i en längre stund och kommer att bli utloggad om du inte väljer att stanna kvar på sidan.
Automatisk utloggning sker om cirka
Stanna kvar på sidan
Problem med nätverket
Inget internet. Kontrollera din nätverksanslutning.
Tillfälligt tekniskt fel

ሓድሽ ኣብ ሽወደን – ንዓኻ ስደተኛ ዝኾንካ

ንሕና ኣብ ሽወደን፡ ኵሉ ሰብ ምእንቲ ብቐሊሉ ስራሕ ክረክብ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረክብ ንደሊ ኢና። ስለዚ እዩ መብዛሕትኡ ግዜ ንኽትምሃር ዝኾነ ክፍሊት ዘይብሉ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ ሽወደን ንኽትነብርን ክትምሃርን ምእንቲ ቀሊል ክኸውን፡ ቍጠባዊ ሓገዝ ክትረክብን ገንዘብ ክትልቃሕን መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ካብ በዓል-መዚ ሓገዛት ትምህርቲ (CSN) እትረኽብዎ ሓገዝን ልቓሕን

እቶም ስደተኛታት ዝኾንኩም ኣብ ሽወደን ክትመሃሩ እትደልዩ ሰባት፡ ካብ በዓል-መዚ ሓገዛት ትምህርቲ (CSN)፡ ብነጻ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትወሃቡን ከምኡ ውን ንሱ ምስዘይኣኽለኩም ክትልቕሑ ውን ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ዕድል’ዚ ኸኣ፡ ድጋፍ-ትምህርቲ (studiestöd) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ድጋፍ-ትምህርቲ፡ ነቶም ዝመሃሩ ሰባት ትምህርቶም ኣብ ዝከታተሉሉ እዋን፡ ምስ ክራይ፡ መግብን ካልእ ዘድልዮም ነገራትን ዝተኣሳሰረ ወጻኢታት ንምሽፋን ተባሂሉ ዝወሃብ ድጋፍ እዩ።

ናይ ሽወደን ፍቓድ መምርሒ-መኪና ምስዘይህልወኩም ካብ በዓል-መዚ ሓገዛት ትምህርቲ (CSN) ገንዘብ ክትልቅሑ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ኸኣ፡ ልቓሕ መምርሒ-ፍቓድ (körkortslån) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ድጋፍ

ዕድመን ደረጃ ናይቲ ክትመሃርዎ ዝደለኹም ትምህርትን መሰረት ዝገብር፡ ዝተፈላለየ ዓይነታት ድጋፍ ኣሎ። እቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ዝኾኑ ዓይነታት ድጋፍ እዞም ኣብ ታሕቲ ሰፊሮም ዘለዉ እዮም:

ሓገዝ-ትምህርቲ (Studiehjälp) ነቶም ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትመሃሩ 20 ወይ ውን ትሕቲ 20 ዝዕድሜኹም

እቶም ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትመሃሩ ሰባት፡ ክሳብታ 20 ትመልኡላ ጽድያ ናይ ክፍላ ትምህርቲ፡ ሓገዝ-ትምህርቲ (Studiehjälp) ናይ ምርካብ መሰል ኣለኩም። ሓገዝ-ትምህርቲ (Studiehjälp) ዝተፈላለዩ ሓገዛት ዝሓቈፈ እዩ። ንኣብነት፡ ምጠዋ (studiebidrag) ከምኡ ውን መመላእታ (extra tillägg)። መመላእታ ነቶም ኣታዊታት ስድራ-ቤቶም ትሑት ዝኾኑ ተመሃሮ ዝወሃብ ሓገዝ እዩ። ብዘይወለድኹም ዝተሰደድኩም ትሕቲ ዕድመ ምስእትኾኑ፡ ስድራ ስለዘይብልኩም፡ እቲ ናትኩም ኣታዊ’ዩ ከም ኣታዊ ስድራ ዝቊጸር።

መምሃሪ-ሓገዝ (Studiemedel) – ሓገዝን ልቓሕን

ካብታ 20 ዝመላእኩምላ ቀውዒ እትጅምር ክፍላ-ትምህርቲ ኣትሒዝኩም መምሃሪ-ሓገዝ (studiemedel) ኢኹም ትሓቱ። ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ንኣብነት ዩኒቨርስቲ፡ ክትመሃሩ ምስእትኾኑ ግን፡ ዕድሜኹም ዋላ ትሕቲ 20 ዓመት ይኹን፡ መምሃሪ-ሓገዝ ኢኹም ትሓቱ።

መምሃሪ-ሓገዝ፡ ካብ ሓገዝን ልቓሕን ዝቈመ እዩ። እቲ ልቓሕ ይትረፈና ኢልኩም ነቲ ሓገዝ ጥራይ ውን ክትወሱ ትኽእሉ ኢኹም። ቈልዓ ወይ ቈልዑ ምስዝህልወኩም ከኣ መመላእታ ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ኸኣ፡ መመላእታ ወይ ተወሳኺ ድጋፍ (tilläggsbidrag) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

መስርሕ ምምላስ ልቓሕ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል

ዋላ ሃገር ቀይሩ፡ እቲ ዝተለቃሕኩሞ ገንዘብ ክትመልስዎ ኣለኩም። ኩሉ’ቲ ዝተለቃሕኩሞ ገንዘብ ኣብ ሓደ ግዜ ክትከፍልዎ ኣይኮንኩምን ትሕተቱ። እንታይ ደኣ፡ በዓል-መዚ ሓገዛት ትምህርቲ (CSN) ነቲ ልቓሕ ኣብ ብዙሕ ዓመታት ክኽፈል ከምዘለዎ እዩ ዝገብረልኩም። ክንደይ ክትከፍሉ ኣለኩም፡ ንኽንደይ ዝኸውን ግዜ`ኸ ዝብል ነገር ኣብ መጠን ናይቲ ዝተለቃሕኩሞ ገንዘብን ወለድን እዩ ዝምርኮስ።

ድጋፍ ምጅማር ትምህርቲ (Studiestartsstöd) – ነቶም ስራሕ-ኣልቦ ዝኾንኩም ዝምልከት

ድጋፍ ምጅማር ትምህርቲ (Studiestartsstöd) ነቶም ነነዊሕ ግዜ ስራሕ ዘይነበረኩም ሰባት፡ እሞ ኸኣ ስራሕ ንምርካብ ናይ መባእታ ወይ ውን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲኹም ከተጠናቕቑ እትደልዩ ሰባት፡ ዝምልከት ድጋፍ እዩ። ድጋፍ ምጅማር ትምህርቲ፡ ልቓሕ ዘይብሉ ሓገዝ ጥራይ ኮይኑ፡ ምሉእ ሰዓታት እትመሃሩ ምስእትኾኑ፡ እንተነውሐ ን 50 ሳምንታት ጥራይ ዝወሃበኩም ሓገዝ እዩ።

እዚ ድጋፍ`ዚ ይገበኣኩም ድዩ ኣይግበኣኩምን ዝግምገም ኣካል፡ ምምሕዳር ከተማኹም እዩ። ኣብ ምምሕዳር ከተማኹም ብምኻድ ኢኹም ውን እዚ ድጋፍ ንኽወሃበኩም እተመልክቱ። ነዚ ድጋፍ ንምርካብ ብቀጥታ ብመንገዲ በዓል-መዚ ሓገዛት ትምህርቲ (CSN) ምምልካት ኣይከኣልን እዩ።

መሰል ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ኣብ ሽወደን

መብዛሕቱ ግዜ ሓደ ካብ’ዞም ዝስዕቡ ጠለባት ምስ ዝማልኡ፡ መሰል ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ኣብ ሽወደን ይህልወካ፡

  • ኢሚግሬሽን ሽወደን ሕቡራት ሃገራት ብዝፈልጠኦ ዑቕበኛ(1ይ ደረጃ ዑቕበኛ) ወይ ብኣማራጺ ዑቕበኛ(2ይ ደረጃ ዑቕበኛ) ወይ ብፍሉይ ተኣፋፊ ኲነታት(3ይ ደረጃ ዑቕበኛ) መንበሪ ፍቓድ ሽወደን ምስ
    ዝህበካ።ሲ.ኤስ.ኤን(ሃገራዊ ቦርድ ትምህርቲ) ነቲ ዝተወሃበካ መንበሪ ፍቓድ ምስ’ቲ 1ይ ደረጃ መንበሪ ፍቓድ ማዕረ ገይሩ ምስ ዝሰሮዖ እዉን ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ክወሃበካ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።
  • ኢሚግሬሽን ሽወደን ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ 2ይ ደረጃ ምህርቲ(ጂምናዝየ ላገን) ወይ በቲ ዝሓለፈ ግዝያዊ ሕጊ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህበካ።
  • ኣብ ሓንቲ ኣላይት ስድራ(familjehem) ወይ ኣብ ሓደ ብመንግስቲ ሽወደን ዝካየድ መእለዪ መንእሰያት
    (HVB-hem) ምስ ትውዛዕ፡ መብዛሕታኡ ግዜ መሰል ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ክህልወካ ይኽእል እዩ።
    • ዕድሜኻ ትሕቲ 20 ክኸውን ኣለዎ
    • ዘይወደቐ ዘገልግል መንበሪ ፍቓድ ሽወደን ክህልወካ ኣለዎ
    • ኣብ’ቲ ዘለኻዮ መእለዪ ቦታ በቲ በዓል-መዚ ከም ዝተወዛዕኻ ዝሕብር ውሳኔ ክህልው ኣለዎ።
  • ብሽወደናዊ በዓል-መዚ ሓደ ፍሉይ ሞግዚት ምስ ዝስለዓልካ መብዛሕቱ ግዜ መሰል ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ኣለካ።ኣብ ከም’ዚ ኲነታት
    • ዕድሜኻ ትሕቲ 20 ክኸውን ኣለዎ
    • ዘይወደቐ ዘገልግል መንበሪ ፍቓድ ክህልወካ ኣለዎ

እቲ መንበሪ ፍቓድ ሽወደን ዘይወደቐ ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ

መሰል ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ክህልወካ እንተኾይኑ እቲ መንበሪ ፍቓድ ዘይወደቐ ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ።መብዛሕቱ ግዜ መሰል ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ካብ’ታ ብኢሚግሬሽን መንበሪ ፍቓድ ሽወደን ትወሃበካ ሳምንቲ ጀሚሩ ይህልወካ።

መንበሪ-ፍቓድኩም ምስዝወድቕ

መንበሪ-ፍቓድኩም ምስዝወድቕ ውን፡ ድጋፍ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ገና ክህልወኩም ይኽእል እዩ። እዚ ንኸኸውን ግን፡ እታ ዝነበረትኩም ፍቓድ ከይወደቐት እንከላ፡ እቲ ፍቓድ ክናዋሓልኩም ዘመልከትኩም ምስእትኾኑ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ፍቓድኩም ኣብ ግዜ ክናዋሓልኩም መታን፡ ኣቐዲምኩም ናብ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ከተመልክቱ ኣለኩም!

እቲ መናውሒ መጠየቕታኹም ግን

  • ከምቲ ናይ ፈለማ መጠየቕታኹም ዝነበረ ተመሳሳሊ ኩነታት መሰረት ዝገበረ ወይ ውን
  • ኣብ ካልኣይ-ደረጃ ኣብ ሽወደን ንምምሃር መሰረት ዝገበረ ሓድሽ መንበሪ-ፍቓድ ክኸውን ኣለዎ።
መንበሪ-ፍቓድኩም ምስዝቕየር

ባህሪ ናይቲ ዝነበረኩም መንበሪ-ፍቓድ ምስዝቕየር፡ ብዝቐልጠፈ ንበዓል-መዚ ሓገዛት ትምህርቲ (CSN) ክትውከሱ ኣለኩም። ንሕና ኸኣ ብወገና ምቅይያር መንበሪ-ፍቓድኩም ነቲ ናይ ድጋፍ-ትምህርቲ መሰልኩም፡ ይጸልዎ ድዩ ወይስ ኣይጸልዎን ብምርኣይ፡ ዝግበኣኩም መጠን ድጋፍ ከምእንኸፍለኩም ንገብር። ከም ኣብነት፡ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ነቲ ፍቓድኩም ናይ ምንዋሕ መጠየቕታኹም ክነጽጎ ወይ ውን ንዝነበረኩም መንበሪ-ፍቓድ ክስሕብዎ ይኽእሉ። ከምዚ ምስዘጋጥም ከኣ፡ ነቲ ዘጋጠመ ምቅይያራት ብቑልጡፍ ክትሕብሩና ኣለኩም።

ሓተቲ-ዑቕባ

ኣብ ሽወደን መንበሪ-ፍቓድ ተዋሂቦም ዘይፈልጡ ሓተቲ-ዑቕባ ድጋፍ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል የብሎምን።

ብዝርዝር ንምንባብ

ኣብቲ Languages ዝብል ዘሎ ብቋንቋኹም ዝተዳለወ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ኣለኩም።

Updated: 2024-03-22
Did this page help you?