session uppdatera gms varning förnya
Vill du stanna kvar på sidan?
Du har varit inaktiv i en längre stund och kommer att bli utloggad om du inte väljer att stanna kvar på sidan.
Automatisk utloggning sker om cirka
Stanna kvar på sidan
Problem med nätverket
Inget internet. Kontrollera din nätverksanslutning.
Tillfälligt tekniskt fel

ትግርኛ (tigrinja)

“ሲ.ኤስ.ኤን.” (CSN) እቲ ንናይ ሽወደን ደገፍ-ትምህርቲ፥ ማለት ነቲ ንትምህርቲ ዚምልከት ሓገዝ-ገንዘብን ልቓሕን ዘመሓድር ቤትስልጣን’ዩ። ንናይ ትምህርቲ ምዝዋር-ማኪና ልቓሕን፥ ንምምላስ ልቓሕ ኣቝሑ-ገዛን
ውን፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ናይ’ዚ ቤትስልጣን’ዚ’ዩ። ኣብ’ዚ ብዛዕባ’ቶም ዝተፈላለዩ ደገፋት ብዝሰፍሐ ክተንብብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓበሬታ ናይ ትግርኛ ሓፈሻዊ ዝዀነ ትሕዝቶ ዘሎዎ እዩ።

ናብ ሽወደን ሓድሽ መጻእተኛን ስደተኛን ዝዀንካ

ንስኻ (ንስኺ)፡ ናብ ሽወደን ከም ስደተኛ ኴንካ ዲኻ መጺእካ? ኣብዚ ንዓኻ ስደተኛ ወይ ውን ንዓኻ ንናይ ሓደ ብዘይወለዲ ዝመጸ ስደተኛ ቖልዓ ብዓል-ሕድሪ ዚኸውን ሓበሬታ ተዳልዩ ኣሎ።
Ny i Sverige

ደገፍ-ትምህርቲ - ንትምህርቲ ዚኸውን ሓገዝ-ገንዘብን ልቓሕን

ናይ ካልእ ሃገር ዜጋ ዲኻ?

ንስኻ ናይ ካልእ ሃገር ዜጋ ዝዀንካ፥ ንገለ ክማልኡ ዘሎዎም ኩነት እንተ ኣማሊእካ፥ ናይ ሽወደን ደገፍ-ትምህርቲ ንኽትረክብ መሰል ኣሎካ። እንተ ደኣ ”ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ” (permanent uppehållstillstånd (PUT)) ኣልዩካ፥ እሞ ኣብ ሽወደን ነባሪ ዄንካ፥ መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ናይ ሽወደን ደገፍ ትምህርቲ ክትረክብ መሰል ኣሎካ’ዩ።

እንተ ደኣ ከም ስደተኛ ተቘጺርካ ወይ ውን ንዕኡ ብዚመስል ምኽንያት፥ ካብ ሚግራሾንስቨርከት ብጊዜ ዝተደረተ ”መንበሪ-ፍቓድ”ተዋሂቡካ፥ መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ናይ ሽወደን ድገፍ-ትምህርቲ ውን ንምርካብ መሰል ኣሎካ’ዩ። ከም ሓታቲ ዑቕባ ኴንካ ግን፡ ንኽትረክ መሰል ኣይህልወካን’ዩ።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ከከምቲ ዘሎካ ዜግነት፡ ንኣብነት ዜጋ ናይ ሓንቲ ኣብ ሕብረት-ኤውሮጳ/”ኤኤስ” ዘላ ሃገር ወይ ስዊዘርላንድ ምዃንካን ዘይምዃንካ መሰረት ብምግባር፥ ነንበይኑ ዚምልከቶ ሕጊታት ኣሎ’ዩ።

እቶም ዘሎዉና ነንበይኖም ደገፋት-ትምህርቲ

ከከምቲ እትመሃሮ ትምህርቲን፡ ዕድሜኻ ውን ክንደይ ከም ዝዀነን መሰረት ብምግባር፤ ነንበይኑ ዓይነት ደገፋት-ትምህርቲ’ዩ ዘሎ። እቶም ልሙዳት ዝተባህሉ እዞም ዚስዕቡ እዮም፡-

ናይ ትምህርቲ ሓገዝ-ገንዘብ ንዓኻ ኣብ ጂምናስዬት ትመሃር፥ ዕድሜኻ 20 ዓመት ወይ ትሕቲኡ ንዝዀነ

ኣብ ጂምናስዬት ትመሃር ምስ ትኸውን፥ ክሳብ’ታ 20 ዓመት ትመልኣላ ዓመት ዘላ ናይ ጽድያ ክፍለ-ዓመት (vårterminen)፥ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ-ገንዘብ ኪወሃበካ ይኽእል’ዩ። እዚ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ-ገንዘብ፥ ነንበይኑ ዓይነት ክፋል ሓገዛት ዘሎዎ፥ ንኣብነት ናይ ትምህርቲ ሓገዝ-ገንዘብን ካልእ ተወሳኺን ሓገዝ-ገንዘብን’ዩ። እዚ ተወሳኺ ሓገዝ-ገንዘብ፡ ስድራቤትካ ውሑድ ኣታዊ ምስ ዚህልዎም፥ ምልክታ ኣቕሪብካ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ-ገንዘብ’ዩ።

ንዓኻ ናይ ካልእ ሃገር ዜጋ ንዝዀንካ ዝተዳለወ ናይ ሓበሬታ ጽሑፍ

መተሓዳደሪ-ገንዘብ ተመሃሮ - ሓገዝን ከምኡ ውን ልቓሕ-ትምህርቲን

መተሓዳደሪ-ገንዘብ ተመሃሮ፡ ብሓገዝ-ገንዘብን ከምኡውን ብልቓሕ-ትምህርቲን ዝቖመ’ዩ። መተሓዳደሪ-ገንዘብ ተመሃሮ፥ ካብታ 20 ዓመት ትመልኣላ ናይ ቀውዒ ክፍለ-ዓመት ትምህርቲ (höstterminen) ጀሚርካ፡ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ልዕሊ ጂምናስያዊ ትምህርቲ፡ ንኣብነት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃር እንተ ዄንካ ግን፥ ዋላ ትሕቲ 20 ዓመት ዄንካ ውን፡ መተሓዳደሪ-ገንዘብ ተመሃሮ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እቲ ልቓሕ-ትምህርቲ ዳሕራይ ንኽትከፍሎ ትግደድ ኢኻ።

ንዓኻ ናይ ካልእ ሃገር ዜጋ ዝዀንካ ዝተዳለወ ናይ ሓበሬታ ጽሑፍ

ትምህርቲ መጀመሪ-ደገፍ - ንዓኻ ስራሕ-ኣልቦ ዝዀንካ

እዚ ”ትምህርቲ መጀመሪ-ደገፍ’ዚ” ዚወሃበካ፥ ንዓኻ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ስራሕ-ኣልቦ ዄንካ ዝጸናሕካን፥ መታን ስራሕ ንኽትረክብ ድማ፥ መባእታዊ- ወይ ናይ ጂምናስዩም ትምህርቲታት ንኽትመሃር ዘድልየካ ሰብ’ዩ። እዚ፡ እንተ ደኣ ከም ናይ ምሉእ ግዜ ትምህርቲ ጌርካ ተማሂርካዮ፥ እንተ ነውሐ ክሳብ ን50 ሰሙናት ኪወሃበካ ዚኽእል ሓገዝ ገንዘብ’ዩ።

ንዓኻ ንናይ ካልእ ሃገር ዜጋ ዝዀንካ ዝተዳለወ ናይ ሓበሬታ ጽሑፍ

ናይ ምስትኽኻል ደገፍ-ትምህርቲ (omställningsstudiestöd) – ንዓኻ ኣብ ናይ ስራሕ-ዓለም ትርከብ ሰብ

እቲ ናይ ምስትኽኻል ደገፍ-ትምህርቲ (Omställnings­studiestödet)፥ እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዝጸንሑ ዓበይቲ ሰባት ደገፍ-ትምህርቲ (studiestöd) ንምግባር እዩ። ነዚ ናይ ምስትኽኻል ደገፍ-ትምህርቲ ተጠቂምኻ ብምምሃር፥ ደረጃ-ክእለትካ ኣስፊሕካ፥ ኣብ ዕዳጋ-ስራሕ ንዘሎካ ተደላይነት ክተሐይል ትኽእል ኢኻ። ነቲ ድሮ ዘሎካ ሞያ ብዝበለጸ ከም ዚምዕብል ንምግባር ወይ ውን ሓድሽ ሞያ ከም ዚህልወካ ንምግባር ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

እዚ ናይ ምስትኽኻል ደገፍ-ትምህርቲ’ዚ፥ ሓገዝ ገንዘብን ናይ ልቓሕ-ገንዘብን ዘጠቓልል እዩ። ክንደይ ዚኣክል ሓገዝ-ገንዘብን ክንደይ ዚኣክል ልቓሕ-ገንዘብን ከም ዚኸውን ዚውስኖ፥ እቲ ንስኻ ዘሎካ እቶት እዩ። እቲ ዚግበረልካ ሓገዝ-ገንዘብ፡ 80 ሚእታዊት ናይቲ ዘሎካ እቶት ኮይኑ - ክሳብ ሓደ ዝተደረተ ብዝሒ-ገንዘብ ድማ እዩ። እንተ ደሊኻ ውን፡ ልቓሕ-ገንዘብ ክትምልኣሉ ትኽእል ኢኻ። እቲ ደገፍ ን44 ሰሙናት ኪወሃበካ ይኽእል’ዩ። ናይ ከፊል-ጊዜ ትምህርቲ እንተ ወሲድካ፡ እቲ ጊዜ ክነውሓልካ ይኽእል እዩ።

ኣብዚ እቶም ገለ ካብቶም ንናይ ምስትኽኻል ደገፍ-ትምህርቲ ኪማልኡ ዘሎዎም ጠለባት ኣሎዉ፡-

  • ዕድሜኻ ካብ 27–62 ኪኸውን ይግባእ።
  • ንስኻ ብውሕዱ 96 ኣዋርሕ ዝሰራሕካ ሰብ ክትከውን ይግባእ፤ (ብጠቕላላል 8 ዓመታት) ካብዘን ዝሓለፋ ዓመታት።
  • ንስኻ ን12 ኣዋርሕ ካብዘን ዝሓለፋ 24 ኣዋርሕ ዝሰራሕካ ሰብ ክትከውን ይግባእ።
  • ንስኻ ትመሃሮ ትምህርቲ፡ ኣብ ዕዳጋ-ስራሕ ንዘሎካ ተደላይነት ዘሐይል ኪኸውን ይግባእ።

ክተመልኦም ዘሎካ ብዙሓት ካልእ ጠለባት ውን ኣሎዉ እዮም።

ነዚ ናይ ምስትኽኻል ደገፍ-ትምህርቲ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል፥ ኣብ ”Mina sidor” ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት ”csn.se” ብምእታው እዩ። እቲ ተቕርቦ ምልክታ ብሽወደንኛ እዩ። ኣብ ዓመት ምልክታ ተቕርበሎም ክልተ እዋናት ኣሎዉ። እቲ ሓደ፡ ነቲ ኣብ ናይ ቀውዒ ክፍለ-ዓመት ዚጅምር ትምህርቲ፥ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ነቲ ኣብ ናይ ጽድያ ክፍለ-ዓመት ዚጅምር ትምህርቲ እዩ።

ንነፍሲ-ወከፍ ዓመት፡ ሓደ ዝተወሰነ ናይ ምስትኽኻል ደገፍ-ትምህርቲ ናይ ገንዘብ ባጀት’ዩ ዘሎ። እዚ ማለት ድማ፡ ዋላ’ኳ ነቶም ጠለባት ዘማልኡ እንተዀኑ፥ ኵሎም እቶም ዘመልክቱ ሰባት ነቲ ደገፍ-ትምህርቲ ይረኽቡ እዮማ ማለት ኣይኰነን። ነቶም ዝኣተዉ ምልክታት፡ ከከም’ቲ ዝኣተዉሉ ዕለታት ተቐቢልና ኢና ነፍቅድ።

ምስቲ ናይ ምስትኽኻል ትምህርቲ ዚህበካ ትካል ክትራኸብ ውን ጽቡቕ እዩ። ኣብኡ ድማ፡ ብነጻ ናይ ትምህርቲን-ሞያን መስመራት መርሒ ክትረክብ፥ ከምኡ ውን እቲ ትወስዶ ትምህርቲ፡ ኣብ ዕዳጋ-ስራሕ ንዘሎካ ተደላይነት ዘሐይል ምዃኑ፥ ምስክር ወረቐት ንኽትወሃብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ ኵነታት ውን፡ ካብኣቶም ተወሳኺ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ-ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እንተ ደኣ እቲ ዚምልከተካ ናይ ምስትኽኻል ትካል ኣየናይ ምዃኑ ዘይትፈልጥ ኴንካ፥ ነቲ ናትካ ወሃብ-ስራሕ ወይ ናትካ ማሕበር-ሰራሕተኛ ሕተት።

ኣብዚ ብዛዕባ ናይ ምስትኽኻል ደገፍ-ትምህርቲ ብዝበለጸ ኣንብብ (ብሽወደንኛ)

ኣብዚ ብዛዕባ ናይ ምስትኽኻል ደገፍ-ትምህርቲ ብዝበለጸ ኣንብብ (ብእንግሊዝኛ)

ልቓሕ-ትምህርቲ ከፊልካ ምምላስ

ንስኻ፡ ካብ ”ሲ.ኤስ.ኤን” (CSN) መምሃሪ-ገንዘብ ተለቂሕካ ዝተመሃርካ ሰብ፥ ትምህርትኻ ምስ ተቛርጽ ወይ ትምህርትኻ ምስ ትውድእ፥ ነቲ ዕዳኻ ምኽፋል ትጅምር ኢኻ። እዚ ድማ፡ ዋላ ”ስርሓ-ኣልቦ” ምስ ትኸውን ወይ ናይ ”ወላድነት-ገንዘብ” ምስ ትቕበል ወይ ውን ናብ ወጻኢ-ሃገር እንተ ገዓዝካ ብዘየገድስ፥ ክትከፍሎ ዘሎካ ዕዳ’ዩ። ኣብዚ ታሕቲ፡ ብኸመይ ዕዳኻ ከም ትመልስን፥ ንምኽፋል ሽግር ምስ ዘጓንፈካን ድማ እንታይ ከም ትገብርን፥ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ልቓሕ-ትምህርቲ ከፊልካ ምምላስ

ልቓሕ ኣቝሑ-ገዛ ከፊልካ ምምላስ

“ሲ.ኤስ.ኤን.” (CSN) ክሳብ ታሕሳስ 2021 ዝነበረ ጊዜ፥ ናባኻ ኣብቲ መደብ ኮሙናዊ-ምቕባል ስደተኛታት እትዊ ዝዀንካ ሰብ ዘቕንዐ፥ ልቓሕ ኣቝሑ-ገዛ ኪህብ ጸኒሑ’ዩ። ካብ 1 ጥሪ 2022 ጀሚሩ ግን፡ ንልቓሕ ኣቝሑ-ገዛ ምልክታ ክተቕርብ ኣይክኣልን እዩ። እዚ ድማ ብሃገራዊ-ባይቶ ዝሓለፈ ውሳነ እዩ።

ይኹን እምበር፡ “ሲ.ኤስ.ኤን.” (CSN) ነቲ ልቓሕ ኣቝሑ-ገዛ ከፊልካ ናይ ምምላስ ስራሕ ንቐጻሊ ውን ከመሓድሮ እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣታ ድሮ ልቓሕ ኣቝሑ-ገዛ ወሲዲካ ዘሎኻ ሰብ፥ ከምቲ ናይ ቅድምካ ነቲ ዕዳኻ ምኽፋል ክትቅጽሎ ኢኻ። እንተ ደኣ ነቲ ዕዳኻ ምኽፋል ዘይትኽእል ኴንካ ግን፥ መታን እንታይ መፍትሒ ዕድላት ከም ዘሎ ሓቢርና ንኽንርኢ፥ ምሳና ርክብ ክትገብር ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።

ደረጃ B ዘለዎ ፍቓድ መምርሒ መኪና(ፓቴንቲ) ንምውጻእ ካብ ሲ.ኤስ.ኤን(CSN) ልቓሕ ክትወስድ ይከኣል እዩ።ፓቴንቲ እንተለካ ስራሕ ክትረክብ ዝቐለለ ይኸውን።

ልቃሕ ፓቴንቲ ከተመልክት ትኽእል

  • ኣብ መንጎ 18-47 ዝዕድሜካ፡ስራሕ ዘይብልካን ገለ ጠለባት ምስ ተማልእ ወይ ድማ
  • 19 ወይ 20 ዝዕድሜኻን 2ይ ደረጃ ቤ/ት ወይ ተመሳሳሊ ትምህርቲ ዝወዳእኻ ምስ ትኸውን እዩ።

እንተ በዝሐ ክሳብ 15 000 ክሮኖር ክትልቃሕ ትኽእል።ኣብ መጻኢ፡ፓቴንቲ ኣብ ምውጻእ ተዓወት ኣይትተዓወት ብዘይ ገድስ፡ነዚ ልቓሕ’ዚ ግድን ክትመልሶ ኣለካ።

ምሳና ርክብ ግበር

ምሳና ርክብ ምስ ገበርካ፡ ብቛንቋ ሽወደን ወይ ብእንግሊዝኛ መልሲ ክንህበካ ኢና።

ሕቶታት ብዛዕባ መሰል ሽወደናዊ ደገፍ-ትምህርቲ ምርካብ

ብዛዕባ መሰል ሽወደናዊ ደገፍ-ትምህርቲ ንምፍላጥ ደውሉልና

ሰኑይ-ዓርቢ 9.00-12.00

+46 771 276 300

ክፈት ኤ-ፖስት ኦርኒክ

ebrev@csn.se

ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ-መዓልታት ንምልሽ ኢና።

ሕቶታት ብዛዕባ ደገፍ-ትምህርቲ

ብዛዕባ ትምህርቲታት ንኽትሓቱ ደውሉልና

ሰኑይ-ዓርቢ 9.00-13.00

+46 771 276 000

ክፈት ኤ-ፖስት ኦርኒክ

e-brev@csn.se

ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ-መዓልታት ንምልሽ ኢና።

ሕቶታት ብዛዕባ ምምላስ መተሓዳደሪ ገንዘብ-ተመሃሮ

ብዛዕባ ምምላስ ናይ ልቓሕ ገንዘብ ደውሉልና

ሰኑይ-ዓርቢ 9.00-13.00

+46 771 276 000

ክፈት ኤ-ፖስት ኦርኒክ

ebrev@csn.se

ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ 3 -5 ናይ ስራሕ-መዓልታት ንምልሽ ኢና።

ሕቶታት ብዛዕባ ልቓሕ ኣቝሕ-ገዛ

ብዛዕባ ልቓሕ ኣቝሑ-ገዛ ደውሉልና

ሰኑይ-ዓርቢ 9.00-12.00

+46 771 276 100

ክፈት ኤ-ፖስት ኦርኒክ

hemutrustningslan@csn.se

ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ-መዓልታት ንምልሽ ኢና።

ሕቶታት ብዛዕባ ልቓሕ ንትምህርቲ ምዝዋር-ማኪና

ብዛዕባ ልቓሕ ንትምህርቲ ምዛውር-ማኪና ደውሉልና

ሰኑይ-ዓርቢ 9.00-12.00

+46 771 276 000

ክፈት ኤ-ፖስት ኦርኒክ

ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ-መዓልታት ንምልሽ ኢና።

Updated: 2024-03-25
Did this page help you?