session uppdatera gms varning förnya
Vill du stanna kvar på sidan?
Du har varit inaktiv i en längre stund och kommer att bli utloggad om du inte väljer att stanna kvar på sidan.
Automatisk utloggning sker om cirka
Stanna kvar på sidan
Problem med nätverket
Inget internet. Kontrollera din nätverksanslutning.
Tillfälligt tekniskt fel

ትግርኛ (tigrinja)

“ሲ.ኤስ.ኤን.” (CSN) እቲ ንናይ ሽወደን ደገፍ-ትምህርቲ፥ ማለት ነቲ ንትምህርቲ ዚምልከት ሓገዝ-ገንዘብን ልቓሕን ዘመሓድር ቤትስልጣን’ዩ። ንናይ ትምህርቲ ምዝዋር-ማኪና ልቓሕን፥ ንምምላስ ልቓሕ ኣቝሑ-ገዛን
ውን፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ናይ’ዚ ቤትስልጣን’ዚ’ዩ። ኣብ’ዚ ብዛዕባ’ቶም ዝተፈላለዩ ደገፋት ብዝሰፍሐ ክተንብብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓበሬታ ናይ ትግርኛ ሓፈሻዊ ዝዀነ ትሕዝቶ ዘሎዎ እዩ።

ናብ ሽወደን ሓድሽ መጻእተኛን ስደተኛን ዝዀንካ

ንስኻ (ንስኺ)፡ ናብ ሽወደን ከም ስደተኛ ኴንካ ዲኻ መጺእካ? ኣብዚ ንዓኻ ስደተኛ ወይ ውን ንዓኻ ንናይ ሓደ ብዘይወለዲ ዝመጸ ስደተኛ ቖልዓ ብዓል-ሕድሪ ዚኸውን ሓበሬታ ተዳልዩ ኣሎ።
Ny i Sverige

ደገፍ-ትምህርቲ - ንትምህርቲ ዚኸውን ሓገዝ-ገንዘብን ልቓሕን

ናይ ካልእ ሃገር ዜጋ ዲኻ?

ንስኻ ናይ ካልእ ሃገር ዜጋ ዝዀንካ፥ ንገለ ክማልኡ ዘሎዎም ኩነት እንተ ኣማሊእካ፥ ናይ ሽወደን ደገፍ-ትምህርቲ ንኽትረክብ መሰል ኣሎካ። እንተ ደኣ ”ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ” (permanent uppehållstillstånd (PUT)) ኣልዩካ፥ እሞ ኣብ ሽወደን ነባሪ ዄንካ፥ መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ናይ ሽወደን ደገፍ ትምህርቲ ክትረክብ መሰል ኣሎካ’ዩ።

እንተ ደኣ ከም ስደተኛ ተቘጺርካ ወይ ውን ንዕኡ ብዚመስል ምኽንያት፥ ካብ ሚግራሾንስቨርከት ብጊዜ ዝተደረተ ”መንበሪ-ፍቓድ”ተዋሂቡካ፥ መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ናይ ሽወደን ድገፍ-ትምህርቲ ውን ንምርካብ መሰል ኣሎካ’ዩ። ከም ሓታቲ ዑቕባ ኴንካ ግን፡ ንኽትረክ መሰል ኣይህልወካን’ዩ።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ከከምቲ ዘሎካ ዜግነት፡ ንኣብነት ዜጋ ናይ ሓንቲ ኣብ ሕብረት-ኤውሮጳ/”ኤኤስ” ዘላ ሃገር ወይ ስዊዘርላንድ ምዃንካን ዘይምዃንካ መሰረት ብምግባር፥ ነንበይኑ ዚምልከቶ ሕጊታት ኣሎ’ዩ።

እቶም ዘሎዉና ነንበይኖም ደገፋት-ትምህርቲ

ከከምቲ እትመሃሮ ትምህርቲን፡ ዕድሜኻ ውን ክንደይ ከም ዝዀነን መሰረት ብምግባር፤ ነንበይኑ ዓይነት ደገፋት-ትምህርቲ’ዩ ዘሎ። እቶም ልሙዳት ዝተባህሉ እዞም ዚስዕቡ እዮም፡-

ናይ ትምህርቲ ሓገዝ-ገንዘብ ንዓኻ ኣብ ጂምናስዬት ትመሃር፥ ዕድሜኻ 20 ዓመት ወይ ትሕቲኡ ንዝዀነ

ኣብ ጂምናስዬት ትመሃር ምስ ትኸውን፥ ክሳብ’ታ 20 ዓመት ትመልኣላ ዓመት ዘላ ናይ ጽድያ ክፍለ-ዓመት (vårterminen)፥ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ-ገንዘብ ኪወሃበካ ይኽእል’ዩ። እዚ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ-ገንዘብ፥ ነንበይኑ ዓይነት ክፋል ሓገዛት ዘሎዎ፥ ንኣብነት ናይ ትምህርቲ ሓገዝ-ገንዘብን ካልእ ተወሳኺን ሓገዝ-ገንዘብን’ዩ። እዚ ተወሳኺ ሓገዝ-ገንዘብ፡ ስድራቤትካ ውሑድ ኣታዊ ምስ ዚህልዎም፥ ምልክታ ኣቕሪብካ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ-ገንዘብ’ዩ።

ንዓኻ ናይ ካልእ ሃገር ዜጋ ንዝዀንካ ዝተዳለወ ናይ ሓበሬታ ጽሑፍ

መተሓዳደሪ-ገንዘብ ተመሃሮ - ሓገዝን ከምኡ ውን ልቓሕ-ትምህርቲን

መተሓዳደሪ-ገንዘብ ተመሃሮ፡ ብሓገዝ-ገንዘብን ከምኡውን ብልቓሕ-ትምህርቲን ዝቖመ’ዩ። መተሓዳደሪ-ገንዘብ ተመሃሮ፥ ካብታ 20 ዓመት ትመልኣላ ናይ ቀውዒ ክፍለ-ዓመት ትምህርቲ (höstterminen) ጀሚርካ፡ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ልዕሊ ጂምናስያዊ ትምህርቲ፡ ንኣብነት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃር እንተ ዄንካ ግን፥ ዋላ ትሕቲ 20 ዓመት ዄንካ ውን፡ መተሓዳደሪ-ገንዘብ ተመሃሮ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እቲ ልቓሕ-ትምህርቲ ዳሕራይ ንኽትከፍሎ ትግደድ ኢኻ።

ንዓኻ ናይ ካልእ ሃገር ዜጋ ዝዀንካ ዝተዳለወ ናይ ሓበሬታ ጽሑፍ

ትምህርቲ መጀመሪ-ደገፍ - ንዓኻ ስራሕ-ኣልቦ ዝዀንካ
ናይ ምስትኽኻል ደገፍ-ትምህርቲ (omställningsstudiestöd) – ንዓኻ ኣብ ናይ ስራሕ-ዓለም ትርከብ ሰብ

ልቓሕ-ትምህርቲ ከፊልካ ምምላስ

ንስኻ፡ ካብ ”ሲ.ኤስ.ኤን” (CSN) መምሃሪ-ገንዘብ ተለቂሕካ ዝተመሃርካ ሰብ፥ ትምህርትኻ ምስ ተቛርጽ ወይ ትምህርትኻ ምስ ትውድእ፥ ነቲ ዕዳኻ ምኽፋል ትጅምር ኢኻ። እዚ ድማ፡ ዋላ ”ስርሓ-ኣልቦ” ምስ ትኸውን ወይ ናይ ”ወላድነት-ገንዘብ” ምስ ትቕበል ወይ ውን ናብ ወጻኢ-ሃገር እንተ ገዓዝካ ብዘየገድስ፥ ክትከፍሎ ዘሎካ ዕዳ’ዩ። ኣብዚ ታሕቲ፡ ብኸመይ ዕዳኻ ከም ትመልስን፥ ንምኽፋል ሽግር ምስ ዘጓንፈካን ድማ እንታይ ከም ትገብርን፥ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ልቓሕ-ትምህርቲ ከፊልካ ምምላስ

ልቓሕ ኣቝሑ-ገዛ ከፊልካ ምምላስ

“ሲ.ኤስ.ኤን.” (CSN) ክሳብ ታሕሳስ 2021 ዝነበረ ጊዜ፥ ናባኻ ኣብቲ መደብ ኮሙናዊ-ምቕባል ስደተኛታት እትዊ ዝዀንካ ሰብ ዘቕንዐ፥ ልቓሕ ኣቝሑ-ገዛ ኪህብ ጸኒሑ’ዩ። ካብ 1 ጥሪ 2022 ጀሚሩ ግን፡ ንልቓሕ ኣቝሑ-ገዛ ምልክታ ክተቕርብ ኣይክኣልን እዩ። እዚ ድማ ብሃገራዊ-ባይቶ ዝሓለፈ ውሳነ እዩ።

ይኹን እምበር፡ “ሲ.ኤስ.ኤን.” (CSN) ነቲ ልቓሕ ኣቝሑ-ገዛ ከፊልካ ናይ ምምላስ ስራሕ ንቐጻሊ ውን ከመሓድሮ እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣታ ድሮ ልቓሕ ኣቝሑ-ገዛ ወሲዲካ ዘሎኻ ሰብ፥ ከምቲ ናይ ቅድምካ ነቲ ዕዳኻ ምኽፋል ክትቅጽሎ ኢኻ። እንተ ደኣ ነቲ ዕዳኻ ምኽፋል ዘይትኽእል ኴንካ ግን፥ መታን እንታይ መፍትሒ ዕድላት ከም ዘሎ ሓቢርና ንኽንርኢ፥ ምሳና ርክብ ክትገብር ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።

ደረጃ B ዘለዎ ፍቓድ መምርሒ መኪና(ፓቴንቲ) ንምውጻእ ካብ ሲ.ኤስ.ኤን(CSN) ልቓሕ ክትወስድ ይከኣል እዩ።ፓቴንቲ እንተለካ ስራሕ ክትረክብ ዝቐለለ ይኸውን።

ልቃሕ ፓቴንቲ ከተመልክት ትኽእል

  • ኣብ መንጎ 18-47 ዝዕድሜካ፡ስራሕ ዘይብልካን ገለ ጠለባት ምስ ተማልእ ወይ ድማ
  • 19 ወይ 20 ዝዕድሜኻን 2ይ ደረጃ ቤ/ት ወይ ተመሳሳሊ ትምህርቲ ዝወዳእኻ ምስ ትኸውን እዩ።

እንተ በዝሐ ክሳብ 15 000 ክሮኖር ክትልቃሕ ትኽእል።ኣብ መጻኢ፡ፓቴንቲ ኣብ ምውጻእ ተዓወት ኣይትተዓወት ብዘይ ገድስ፡ነዚ ልቓሕ’ዚ ግድን ክትመልሶ ኣለካ።

ምሳና ርክብ ግበር

ምሳና ርክብ ምስ ገበርካ፡ ብቛንቋ ሽወደን ወይ ብእንግሊዝኛ መልሲ ክንህበካ ኢና።

ሕቶታት ብዛዕባ መሰል ሽወደናዊ ደገፍ-ትምህርቲ ምርካብ

ብዛዕባ መሰል ሽወደናዊ ደገፍ-ትምህርቲ ንምፍላጥ ደውሉልና

ሰኑይ-ዓርቢ 9.00-12.00

+46 771 276 300

ክፈት ኤ-ፖስት ኦርኒክ

ebrev@csn.se

ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ-መዓልታት ንምልሽ ኢና።

ሕቶታት ብዛዕባ ደገፍ-ትምህርቲ

ብዛዕባ ትምህርቲታት ንኽትሓቱ ደውሉልና

ሰኑይ-ዓርቢ 9.00-13.00

+46 771 276 000

ክፈት ኤ-ፖስት ኦርኒክ

e-brev@csn.se

ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ-መዓልታት ንምልሽ ኢና።

ሕቶታት ብዛዕባ ምምላስ መተሓዳደሪ ገንዘብ-ተመሃሮ

ብዛዕባ ምምላስ ናይ ልቓሕ ገንዘብ ደውሉልና

ሰኑይ-ዓርቢ 9.00-13.00

+46 771 276 000

ክፈት ኤ-ፖስት ኦርኒክ

ebrev@csn.se

ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ 3 -5 ናይ ስራሕ-መዓልታት ንምልሽ ኢና።

ሕቶታት ብዛዕባ ልቓሕ ኣቝሕ-ገዛ

ብዛዕባ ልቓሕ ኣቝሑ-ገዛ ደውሉልና

ሰኑይ-ዓርቢ 9.00-12.00

+46 771 276 100

ክፈት ኤ-ፖስት ኦርኒክ

hemutrustningslan@csn.se

ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ-መዓልታት ንምልሽ ኢና።

ሕቶታት ብዛዕባ ልቓሕ ንትምህርቲ ምዝዋር-ማኪና

ብዛዕባ ልቓሕ ንትምህርቲ ምዛውር-ማኪና ደውሉልና

ሰኑይ-ዓርቢ 9.00-12.00

+46 771 276 000

ክፈት ኤ-ፖስት ኦርኒክ

ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ-መዓልታት ንምልሽ ኢና።

Updated: 2024-03-25
Did this page help you?